ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ መላእ ክልል ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ስልጠና ክእለት፣ ፋይናንሳዊ ደገፍ፣ ምዕባለ ኣመራርሓ ንምሃብ ዝዓለመ ፕሮግራም ምሕያል ደቂ ኣንስትዮ ብዕሊ ጀሚራ። እዚ ብናይ ውሽጢ ዓድን ዓለምለኻውን መሻርኽቲ ዝምወል መደብ ፡ ንልዕሊ 5000 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዋኒን ሞያ፡ ሞያዊ ክእለትን ዲጂታላዊ ትምህርትን ንምሕያል ዝዓለመ እዩ።
“ዕላማና ዓርሱ ዝኸኣለን ብቑጠባ ነፃ ዝኾነ ማሕበረሰብ ደቂ ኣንስትዮ ምፍጣር እዩ” ትብል ወ/ሮ ነፃነት ኣበራ ፣ ኣደ መንበር WAT።
እቲ ተበግሶ ኣብ፤
✅ ንኣናእሽተይ ትካላት ዝውዕል ናይ ማይክሮፋይናንስ ደገፍ
✅ ኣብ ጾታዊ ማዕርነትን ኣመራርሓን ዝምልከት ዓውደ መፅናዕትታት
✅ ስልጠና ክእለት ኣብ ሕርሻ፣ ቴክኖሎጂን፣ ንግዲን
እዚ ድማ ኣብ ትግራይ ንደቂ ኣንስትዮ ቁጠባውን ማሕበራውን ምጥንኻር ዝገብር ርኡይ ስጉምቲ ’ ዩ።
